ባእሲ ወይ ጎነጽ ኣብ ገዛ ኣጋጡሙ፧
ምኽርን ሓገዝን ንደቀንስትዮ* ኣብ ናይ ግጭት ኩነታት
ንዘለዋ ደቀንስትዮ*- ከምኡ ድማ ናይ ህጻናት ቤት
መራኸቢ:
ተሌፎን 069/886139 ወይ 069/82995710
ኢመይል: info [at] frauenhaus-offenbach.de (info[at]frauenhaus-offenbach[dot]de)
ብመጻምድትኺ ወይ ኣብ ስድራቤትክን ስነየእሙራዊ ወይ ኣካላዊ ጎነጽ፡ ምፍርራህ ወይ ፍርሒ ኣንጸላልዩኪ እንተሎ፡ ኩለን ከምኡ ዓይነት ተመክሮ ዝገጠመን ደቀንስትዮ * ዋላ‘ውን ምስ ደቀን ኣብ ናይ Frauen*- und Kinderhaus መዕቆቢ ቤት ኦፎንባኽ ዑቕባን መጽንሕን ክትረኽባ ትኽእላ ኢኽን። ውሑስ ንኽኮነልክን ድማ እቲ ኣድራሻ ንቕመጥሉ ምስጢራዊ ወይ ዕቁብ እዩ።
ናብ ቤትና ንኽትመጻ ብቐሊል መገዲ ክትግበር ይከኣል:
- ብተሌፎን ደዊልክን ነጻ ቦታ እንተሎ ሕተታና፡ ወይ ድማ ብኢመይል ጽሓፋልና። ብድሕሪኡ ተኽእሎ እንተሎን ውሑስ ምዃኑን ክንሕብረክን ኢና።
- ቋንቋ ጀርመን ዘይትመልካ እንተኾንክን፡ መሓዙ፡ ቤተሰብ ወይ ምስ ትፈልጥኣ ሰብ ኮንክን ደውላልና።
- ኣብ Frauen*- und Kinderhaus ባዕልና ንኣልየንክን። ኣብ ሓዲሽ ሂወት ምኽሪ መገዲ (ንኣብነት ብዛዕባ መንበሪ ፍቓድ፡ ገንዘብ፡ ንሕጊ ዝምልከቱ ሕቶታት፡ ናይ ኩሉ ዓይነት ስክፍታት) ዝምልከቱ ሓበሬታ ንህበክን።
- ንደቅኽን‘ውን እኹል ሓገዝ ንኣብነት ቤት ትምህርቲ፡ መውዓሊ ህጻናት ዝምልከቱ ንተሓባበር።
- ብዝተኻእለ መጠን ኩሉ ዶክመንትታትን ወረቓቕትን ተማልአኦ (ንኣብነት፡ ፓስፖርት፡ መንበሪ ፍቓድ፡ ክብረ-መዝገብ፡ ናይ ሕክምና ካርድ ወዘተ)
ናይ ምኽሪ ትካልና
ተሌፎን: 069-816557
ኢመይል: beratung [at] frauenhaus-offenbach.de (beratung[at]frauenhaus-offenbach[dot]de)
ኣድራሻ:
Frauen helfen Frauen
Bieberer Straße 17
63065 Offenbach am Main
ብተሌፎን፡ ኢመይልን ብኣካልን ነዞም ዝስዕቡ ኣገልግሎት ምኽሪ ክንልግስ ንኽእል፡:
- ዘቤታዊ ዓመጽ (ምክትታል ብዘይ ድሌት፡ ምፍርራህ፡ ጭቕጭቕ፡ ኣካላውን ስነየእሙራውን ጎነጽ)
- ናይ መጻምድን ስድራቤታውን ጎነጽ
- ሕቶታት ብዛዕባ ምፍልላይ፡ ፍትሕ፡ ሕጋዊ ሓላፍነት ውላድ
- ሕቶታት ብዛዕባ ሕገ-ጎነጻዊ ውሕሰንት (ንኣብነት ናይ ርክብ እገዳ)፡ ዋላ‘ውን ድሕሪ ናይ ፖሊስ ተሳትፎ
- ምኽሪ ንግዳያት ደቀንስትዮ * ከምኡ ድማ መናእሰያትን
ነበርክቶም ነገራት:
- ናይ ማሕበራዊ-ስነየእሞሮ ዝርርብ ብኣቐዲምካ ቆጸራ ድሕሪ ምግባር (ብጠለብ ዋላ‘ውን ምስጢራዊ)
- ፉት ናይ ዝርርብ ሰዓታት: ሓሙስ ኣብ ሞንጎ ሰዓት 10 ክሳብ 12፡ ብዘይቆጸራ ክምጻእ ይከኣል።
- ናይ ተሌፎን ምኽሪ
- ናይ ኢመይል ምኽሪ
እንተደኣ ተሌፎን ዘይተቐቢልናያ፡ ደዊልክን ኣብ ናይ መለአኽቲ መተሓላለፊ መለአኽቲ ግደፋልና።
ኣብ ህጹጽ ኩነታት ኩሉ ግዜ ፖሊስ ደውላ በዛ ቁጽሪ: 110